ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ በሪኽ ካብ ዝተተኽለ ኣግራብ፡ እቲ ኣስታት 90 ሚእታዊት ከምዝጸደቐ፡ ብ12 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ዝተሳተፎ ርክብ፡ መስርሕ ምግራብ፡ ልምዓት ብቚልን ምዕቃብ ሓመድን ማይን ብጽቡቕ ከምእተተግበረ ተገምጊሙ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተስፉ ተስፋጼን፡ ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ዝተሰላሰሉ መደባት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ኣብ 2019 ካብ ዝተተግበሩ ዓበይቲ መደባት ምንባሮም ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ከም ወትሩ ብሓያል ውዳበ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ እውን፡ ህዝቢ ኣብዚ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መዋእል፡ ንዓኡ ዝበቅዕ ውዳበታት ኣሐይሉ – ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ንፉዓት ስፖርታውያን ይፈርዩ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ምቹእ ትሕተ-ቅርጺ ክዋደደሎም፡ ጽርግያታት፡ ዝስተ ማይ. . . ኣቓልቦ ክግበረሉ ሓቲቶም።

Categories