ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሽዕብ ኣቶ ኣቡበከር ኢብራሂም፡ ተጠቃምነት ህዝቢ ኣብ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኢዱ።

ኣቶ ኣቡበከር፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ 7 መዋእለ- ህጻናት ዝርከባአን 18 ትካላት ትምህርቲ፡ ሓንቲ ማእከል ጥዕናን ሓንቲ መደበር ጥዕናን ከምዘለዋ ብምሕባር፡ ህዝቢ ብግቡእ ይግልገለለን ከምዘሎ ኣረዲኡ። 80 ሚእታዊት ካብ ነበርቲ፡ ጽሩይ ማይ ክሰቲ ከምዝበቕዐ እውን ገሊጹ።

ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ ብዝምልከት፡ ሓውሲ ከተማ ሽዕብ ብጀነረተር ስሩዕ ኣገልግሎት ትረክብ ምህላዋ፡ ምስ መስመር ሕርጊጎ ንምርኻባ ብዝተጀመረ ስራሕ ከኣ፡ ዛጊት መስመራት ከም እተዘርግሐ ሓቢሩ።

ኣቶ ኣቡበከር፡ ሕጽረታት ንምምላእ ቀጻሊ ጻዕሪታት ከምዝካየድ፡ መደብ ምጥርናፍ ዓድታት 90 ሚእታዊት ከምእተሳለጠን፡ ዝተረፈ ንምትግባር ካብ ቀንዲ መደቦም ምዃኑን ኣገንዚቡ።

ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ንከባቢታት ሰሜን መንሸብ፡ ደቡብ መንሸብ፡ ቲሉክ፡ ገድገድ፡ ኪሎ፡ ሸልሸላ፡ ወቒሮን ወድኢሎን ትጥርንፍ።

Categories