ፖሊስ ኤርትራ፡ ብ9ን 10ን ጥሪ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ማእከላይ ቤትጽሕፈቱ ኣብ ዘቃነዖ ኣኼባ፡ ገምጋም ስራሕ 2019 ብምክያድ፡ ኣብ መደባት 2020 ዘትዩ።
ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ጨናፍር፡ ስታፋትን ኣዘዝቲ ፖሊስ ዞባታትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ተርእዮ ገበናት ምስ ናይ 2018 ክነጻጸር እንከሎ – ብ6 ሚእታዊት ከምዝጐደለ ሓቢሩ።
ኣብ 2019 ብሃገር ደረጃ፡ መዓልታዊ ብገምጋም ኣስታት 37 ጥርዓናት ገበናት ከም እተመዝገቡ፡ ፈጸምቶም ድማ መብዛሕትኦም ብምትሕብባር ህዝብን ፖሊስን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ከምዝኣተዉ ዝጠቐሰ ኮሎኔል መሓሪ፡ ኣስታት 80 ሚእታዊት ካብ’ቲ ጉዳያት ኣብ እዋኑ ምጽራይ ተኻዪድሉ ናብ ኣኽባር ሕጊ ከምዝሓለፈ፡ ገሊጹ።
ንሕግታት ትራፊክ ብዝምልከት፡ ኣብ 2019 ልዕሊ 93 ሽሕ ተሽከርከርቲ ብምጥሓስ ሕግታት ትራፊክ ክኽሰሳ ከም እተኸሰሳ፡ ኣስታት 3 ሽሕ ሓደጋታት ከምእተመዝገበ፡ብሰንኪ’ዚ ሓደጋታት 101 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ኣስታት ክልተ ሽሕ ኣካላዊ ጉድኣት ከምዝወረዶም፡ ኣብ ንብረት ዝሰዓበ ክሳራ ድማ፡ ልዕሊ 41 ሚልዮን ናቕፋ ከምዝግመት ተዘርዚሩ።
ምስ ናይ 2018 ክነጻጸር እንከሎ፡ ተርእዮ ሓደጋታት ብ0.4 ሚእታዊት ከምዝነከየ፡ ዝበዝሑ ጠንቅታት ሓደጋታት ትራፊክ ድማ፡ ሸለልትነት ተጠቀምቲ ጽርግያ ከምዝዀኑ ተገምጊሙ።
ኣብ መደምደምታ፡ ህዝቢ ከሳትፍን ከተሓባብርን ዝድርኽ፡ ሓደጋታት ንምክልኻልን ገበናት ንምቅላዕን ዝሕግዝ፡ ዝምድና ፖሊስን ህዝብን ኣብ ምዕባይ ዓቢ ተራ ዝጻወት ውጥን ስራሕ 2020 ጸዲቑ።