ኣብ መኰነን ጥዕና ሚኒስትሪ ምክልኻል ሓላፊ ኣገልግሎት ጥዕና ሰራዊት፡ ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል የማነ ጸጋይ፡ ብሃንደበታዊ ሕማም ብ10 ጥሪ ኣብ መበል 73 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ተሰዊኡ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸምበረ ኮሎኔል የማነ፡ ክሳብ ግዜ መስዋእቱ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት፡ ብልዑል ሞያዊ ብቕዓት ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።
ኮሎኔል የማነ ጸጋይ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ደቂን እዩ።
ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ሎሚ ሰንበት 12 ጥሪ ሰዓት 4፡00 ድ.ቐ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።
መኰነን ጥዕና ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል የማነ ጸጋይ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን ጽንዓት ይምነ።