ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ፡ ኣብ 2020 ኣብ መድረኻዊ ተልእኾ ፖለቲካን ልምዓትን ኣተኲሩ ክሰርሕ ምዃኑ፡ ብ4ን 5ን ጥሪ ኣብ ሳዋ ኣብ ዘቃነዖ ኣኼባ ገሊጹ።

ኣብ’ዚ፡ ኣብ 2019 ኣብ ምሕያል ብቕዓት መንእሰያት ኣተኲሩ ዝተሰላሰለ ስርሓትን ዝተራእየ ድኽመታትን ዝተገምገመሉ – ብደረጃ ሃገር ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ናይ 2020 ውጥን ስራሕ እውን ተሓንጺጹ።

ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ንቕሓት መንእሰያት ኣብ ምብራኽ ዝተኻየዱ ናይ ውዳበ መደባት፡ ብቕዓት መንእሰያት ክብ ንምባል ዝተወደቡ ሞያዊ ስልጠናታትን ዝተራሕዉ ዕድላትን፡ ተራን ኣበርክቶን መንእሰያት ኣብ ሕብረተሰብ ንምዕዛዝ ዝተሰላሰሉ ስርሓት፡ ተራን ተሳታፍነትን ኮምን መሻርኽቲን ኣብ ሕቶ መንእሰያት ንምዕባይ ክካየድ ዝጸንሐ ውሁድ መደባት፡ ኣበርክቶ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ መደባት ብምሕያል ዝተሳለጠ ዕማማት፡ ጽልዋን ሽርክነትን ማሕበር ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ንምዕባይ ዝተዓመ መደባት ብእወታ ተገምጊሙ።

ማሕበር ብተወሳኺ፡ ምስ ሃገራዊ መደባት መኸተን ልምዓትን ተሳንዩ ዝወጽአን ክሳዕ 2021 ዝዝርጋሕን ኣቐዲሙ ናይ ዝሓንጸጾ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስትራተጂያዊ ውጥን ስራሕ ገምጋም ሰለስተ ዓመት ብምክያድ፡ ንዝመጽእ ክልተ ዓመት፡ ምስ’ቲ ኣቲናዮ ዘሎና ትስፉው መዋእል ተቓንዩ ክስራሓሉ ተወሲኑ።

ብዘይካ’ዚ ማሕበር፡ ኣብ 2020፡ ኣብ ምሕያል ውዳበታትን ብቕዓት መንእሰያትን ተታሒዙ ኣብ ዘሎ መደባትን ተራ መሻርኽትን ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ፡ ኣብ 2020፡ ኣብ ፖለቲካውን ልምዓታውን መድረኻዊ ተልእኾ ብኣተኵሮ ክሰርሕ ኣብ ምርድዳእ በጺሑ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ተተግቢሩ ዘሎ ዕማማት ሳላ ውሁድን ንጡፍን ተሳትፎ መሻርኽትን መንእሰያትን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ፍረ ሓያል ቃልሲን ጽንዓትን ዝኾነ ሓድሽ መዋእል፡ ንመንእሰይ ወለዶ ዘሰክሞ ሓላፍነት ከቢድ ምዃኑ ኣገንዚቡ። ብሓያል ወኒን ናይ ስራሕ መንፈስን ንዝዓበየ ዕማም ክብገስ ድማ ጸዊዑ።

Categories