ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ንነዊሕ ዓመታት ንኣገልግሎት ኣጸጋሚ ኮይኑ ዝጸንሐ 25 ኪሎ-ሜተር ጽርግያ ውጡሕ – መዓያ፡ ህዝቢ ብዝወሰዶ ተበግሶ ተጸጊኑ።

እቲ ጽርግያ ብውሕጅ ተፈሓሒሩ ንምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ከጸግም ብምጽንሑ፡ ነብሰ-ጾራትን ሕሙማትን ናብ ትካል ጥዕና ንምብጻሕ ከቢድ ከምዝነበረ እዮም ተቐማጦ ዝገልጹ።

ኣመሓዳሪ ዓዲ መዓያ ኣቶ ተስፋይ ሓጐስ፡ እቲ ስራሕ – ብልዑል ተሳትፎ ነበርቲ ከምእተጸገነ ሓቢሩ።

ኣብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ሓላፊ ምምሕዳራት ከባቢ ኣቶ ወልዱ ክፍለ ድማ፡ ህዝቢ መዓያ ንዝወሰዶ ተበግሶ ብምምጓስ፡ ካልኦት ዓድታት ተመሳሳሊ ንጥፈታት ከካይዳ ተላብዩ።

Categories