ቻይናውያን ሓካይም ዓይኒ፡ ኣብ ሆስፒታል ብርሃን-ዓይኒ – ን21 ናይ ስራሕ መዓልታት ኣገልግሎት ሂቦም።
ብምኽንያት ምዝዛም’ቲ ኣገልግሎት፡ ኤምባሲ ቻይና ብ6 ጥሪ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኤምባሲ ኣብ ዝገበሮ ጽምብል፡ በቲ “ብሩህ ጉዕዞ” ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ መደብ፡ 1250 ናይ ዓይኒ ጸገማት ዝነበሮም ዜጋታት ከም እተሓከሙ፡ 508 ካብኣቶም ድማ ናይ ዓጽሚ ዓይኒ መብጣሕቲ ከምእተገብረሎም ተገሊጹ።
ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኤርትራ ሚስተር ያንግ ዚጋንግ፡ እቲ ዕላማ ተመኵሮ ንምልውዋጥ እውን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንመጻኢ ከኣ – ናይ ሕማማት ልቢን ስኒን ሞያውያን ናይ ምምጻእ መደብ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ኣቶ ብርሃነ ገብረትንሳኤ፡ እቲ መደብ ዓቢ ተመኵሮ ናይ ምልውዋጥ መድረኽ ምፍጣሩ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ካልኦት ዞባታት ሃገርና እውን ተመሳሳሊ መደባት ክውደብ ኣዘኻኺሩ።
ሓላፊ ናይ’ቲ ብ10 ሞያውያን ዝቘመ ጉጅለ “ብሩህ ጉዕዞ” – ዶክተር ዝሆ ሆንግጂኣን፡ ንዝተገብረሎም ናይ ስራሕ ምትሕግጋዝ ኣመስጊኑ።