ብምኽንያት በዓል ልደት፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ዜናን ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጊንዳዕን፡ ኣብ ጋሕተላይ ድሙቕ ባህላዊ መደብ ቀሪቡ።
ኣብ’ቲ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደንኪኤል ኣብርሃ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱን ካልኦት ሰብመዚ መንግስትን ግንባርን፡ ከምኡ’ውን መራሕቲ ሃይማኖት፡ ወከልቲ ህዝብን ሰራዊትን ዝተረኽቡሉ ጽምብል፡ ኣመሓዳሪ ሓውሲ-ከተማ ጋሕተላይ ኣቶ ዘርእሰናይ ጋይም፡ ነቲ በዓል ንምምዕራግ ጻዕሪን ኣበርክቶን ንዝገበሩ ምስጋና ኣቕሪቡ።
“ሃይማኖታዊ በዓላት ኣብ ኤርትራ፡ መድረኽ ፍቕሪን ሓድነትን እዩ” ዝበለ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣቶ ዑመር ሓጂ ያሕያ ድማ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣቶ ዑመር ሓጅ ያሕያ፡ ንምዕባለ ሓውሲ ከተማ ጋሕተላይ ሓያል ጻዕሪ ዝገበረ ኣመሓዳሪ’ታ ሓውሲ ከተማ-ነበር ኣቶ ኣሕመድ ሓምድ ሸብለላ – ህዝቢ ጋሕተላይ ዘዳለወሎም ሽልማት፡ ካብ ኢድ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደንኪኤል ኣብርሃ ተቐቢሎም።
እቲ መደብ፡ ጉጅለ ባህሊ ‘ከዋኽብቲ ሪምን ካልኦት ወናማትን ብዘቕረብዎ ሙዚቃዊ መሰናድኦ ደሚቑ ነይሩ።