ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ – ምምሕዳር ከባቢ ላሕዜን፡ ተሳትፎ ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምዕባይ፡ ምጥርናፍ ዓድታት ክድፋኣሉ ጻውዒት ቀሪቡ።
ርእሰ-መምህር ቤት-ትምህርቲ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ላሕዜን፡ መምህር መሓመድዓሊ ኑሪ፡ ከም ውጽኢት ናይ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ጐስጓሳት፡ ዝነበረ ደረጃ ንቕሓት እናበረኸ ከም ዝመጽአ፡ ንዝለዓለ ተሳትፎ ግን፡ ዓድታት ኣብ ማእከላይ ቦታ ንኽጥርነፋ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።
እታ ኣቐዲማ ናይ መባእታ ጥራይ ዝነበረት ቤት-ትምህርቲ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ ማእከላይ ደረጃ ምስግጋራ ኣገዳሲ ስጒምቲ ምዃኑ፡ ኣጋጢሙ ዘሎ ጽበት መምሃሪ ክፍልታት ንምፍታሕ ግን፡ ዝምልከቶ ኣካል ቈላሕታ ክገብረሉ ኣዘኻኺሩ።
ቤት-ትምህርቲ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ላሕዜን፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2019/2020 ኣስታት 300 ተመሃሮ ተአንግድ ኣላ።