ኣብ ቤት-ጽሕፈት ኦርቶዶክሳዊት ተወሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ – ዓቃቤ መንበር ቅዱስ ፓትርያርክ ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ብምኽንያት በዓል ልደት ቃለቡራኬ ሂቦም።
ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ንኣገዳስነትን ትርጉምን በዓለ-ልደት ብዝምልከት – ኣስተምህሮኣዊ ሓበሬታ ድሕሪ ምሃብ፡ በዓላትና ብሓድነትን ሓጐስን ከነኽብር ንዘብቅዑና፡ መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም ንዘወፈዩ ሰማእታት ምስጋናኦም ኣዕሪጎም።
ኣብ ምእታው ሓድሽ ዓመትን በዓለልደትን፡ ህዝቢ ኤርትራ – ሓደ ቃልን ልብን ኰይኑ፡ ንዝተባረኸት ቅድስቲ ሃገሩ ብሓድነትን ፍቕርን ተጠሚሩ፡ ሕድሪ ሰማእታቱ እናተግበረ፡ ፍትሒ ዝሰፈና ብልጽግቲን ምዕብልትን ሃገር ክሃንጽ ድማ ተላብዮም።
“በዓል ልደት፡ ናይ ምትሕግጋዝ በዓል እዩ” ዝበሉ ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ብሕልፊ ኣብ’ቲ ዕለቱ ንዝጠመዩ ክንዕንግል፡ ንዝዓረቑ ክንከድን፡ ንሕሙማት ክንበጽሕን ንሓዘንተኛታት ከነጸናንዕን ኣዘኻኺሮም።
“ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ሓለዋን ህንጸት ሃገርን ንዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ድማ ብፍላይ፡ እንቋዕ ብሰላም ናብ ሓድሽ ዓመትን በዓል ልደትን ኣብጽሓኩም ኣብጽሓና!” ብምባል ከኣ፡ ዓመተ 2020፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዓመተ-ሰላምን ብልጽግናን ክትከውን ተመንዮም።