ሓረስቶት ዋዲ ላባ – ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ወሓይዝ ሩባታት ናብ ግራውቶም ብምእላዩ፡ ፍረ ጻዕሮም ክሓፍሱ ከምዝኽእሉ ገሊጾም።
እቶም ሓረስቶት፡ ብዝነበረ ህጡር ክራማት ከበሳን ባሕሪን፡ ብሩባታት ማይ-ኡለ፡ ላባ፡ ግርግር፡ ማይ-ኣዋልድን ገርሲለን ዝወረደ ወሓይዝ፡ መንግስቲ ብዝገበረሎም ሓገዝ ማሽነሪ ናብ ሕርሻታቶም ብግቡእ ስለዝተኣልየ – ጽቡቕ ኣእካል ከብቊሉ ከምዝኸኣሉን፡ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከምዝበጽሐን ሓቢሮም።
ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ከበሳታት ዝኣክል ውሕጅ ብዘይ ምውራዱ፡ እቲ ዝወረደ እውን ብሰንኪ ምስባር ዓግማትን ሕጽረት ማሽነሪታትን ብግቡእ ስለዘይተኣልየ፡ እቶቶም ከም’ቲ ዝድለ ከምዘይነበረ ዝገለጹ እቶም ሓረስቶት፡ ሎሚ ዓመት ግን ኣቐዲሞም ግቡእ ምድላዋት ስለዝገበሩ፡ ዝሓሸ እቶት ኣብ ዝሓፍሱሉ ደረጃ በጺሖም ከምዘለዉ ኣረዲኦም።
ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ሎሚ ዓመት ብሩባታት ላባን ላብካን ዝሰቲ ኣስታት 5 ሽሕ ሄክታር መሸላ፡ 250 ሄክታር ብልቱግ፡ 280 ሄክታር ዕፉን፡ 12 ሄክታር ድማ ኣሕምልቲ ይለምዕ ከምዘሎን፡ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብን ተፈሊጡ።