ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወትን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ኣኼባ ምስ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዝዳወባ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ተሳቲፉ።
ኣብ’ዚ ብዕድመ ንጉስ ስዑድያ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ትማሊ 6 ጥሪ ኣብ ከተማ ሪያድ ብደረጃ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ልኡኽ ኤርትራ – ንተበግሶ ንጉስ ሳልማን ነዚ ኣገዳስን እዋናውን ርክብ ድሕሪ ምምስጋን፡ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን፡ ሓላፍነት ጸጥታ፡ ቁጠባዊ ምዕባለን ዕቃበ ኣከባብን ናይዚ ብጸጋታት ሃብታም ዝኾነ ስትራተጅያውን ተኣፋፍን ዞባ ብቐዳምነት ክወስዳ፡ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ክትጽውዕን ዕምቈት ዘለዎ ምምኽኻር ክካየድ ክትምሕጸንን ምጽናሓ ኣብሪሁ።
ልኡኽ ኤርትራ ኣስዒቡ፡ ጸጥታ፡ ምዕባለን ዕቃበን ናይዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዞባ ንምውሓስ፡ ንጹር ራኢ፡ ከምኡ’ውን ዓቕሚን ብቕዓትን ዘለዎ ውድብ ምምስራት ከምዘድሊ፡ እምነትን መርገጽን ኤርትራ ምዃኑ ኣነጺሩ።
እቶም ኣብዚ ኣኼባ ዝተሳተፉ ሚኒስተራት ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ቻርተር ምምስራት ባይቶ ምስ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዝዳወባ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ክታሞም ኣንቢሮም።
እቲ ሰነድ፡ ናብ መራሕቲ ሸሞንቲአን ኣባል ሃገራት ክቐርብ እዩ።
ድሕሪ’ቲ ኣኼባ፡ ንጉስ ሳልማን ኣብ’ዚ ናይ ሓደ መዓልቲ ኣኼባ ምስ ዝተሳተፉ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ሶማል፡ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ስዑድያ፡ ዮርዳኖስ፡ ጅቡቲን የመንን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ሃገሩ ምትሕብባር ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንምድንፋዕ ዘለዋ ጽኑዕ መብጽዓ ኣረጋጊጹ።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብዕድመ ሚኒስተር ዜና ስዑድያ ቱርኪ ቢን ዓብደላ፡ ኣብታ ሃገር ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ትማሊ ምስ ሚኒስተር ቱርኪ ሰፊሕ ዘተ ኣካዪዱ።
እቲ ዘተ፡ ኣብ’ቲ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ኣብ መዳያት ወፍሪ፡ ንግዲ፡ ከምኡ’ውን ጸጥታዊ ምትሕብባርን ልምዓትን ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ምትሕብባር ዝተሰረተን ኣብ ጽላት ዜና ክግበር ዝከኣል ምትሕብባር ማእከል ዝገበረን ነይሩ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝተለለዩ መዳያት ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ክግበር ተሰማሚዖም።