ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ትምህርቲ፡ ብ23ን 24ን ታሕሳስ ንርእሰ-መምህራንን ሱፐርቫይዘራትን 24 ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ከተማ ዓዲቐይሕ ተዋሂቡ።
እቲ ትምህርቲ፡ ኣብ ምሕደራ፡ ምድላው ውጥን ምህሮ፡ ከምኡ’ውን ኣተሓሕዛ ንብረትን ገንዘብን ዘተኰረ ምንባሩ፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ናይቲ ንኡስ ዞባ ሓላፊ ስነ-ምምህርናዊ ኣገልግሎት መምህር መብራህቱ ተስፋኦም ሓቢሩ።
ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ መምህር በየነ ተስፋይ ድማ፡ እቲ ትምህርቲ ኣማእዛኒ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ስርሖም ለውጢ ንምምጻእ ክሰርሑሉ ተላብዩ።