ኮማዊ ሆስፒታል ሓጋዝ፡ ምስ ዘለዋ ብዝሒ ተገልገልቲ፡ ዝተማልአ ኣገልግሎት ክትህብ ምእንቲ ሕጽረታታ ፍታሕ ክረክብ፡ ተገልገልቲ ሓቲቶም።

ንሳቶም ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ፡ እታ ኮማዊ ሆስፒታል ኣብ ቀረብ መድሃኒትን ኣምቡላንስን ዝርአ ሕጽረት ስለዘለዋ ዝምልከቶ ኣካል ቈላሕታ ክገብረሉ ብምዝኽኻር፡ ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ሓላፊ’ታ ኮማዊ ሆስፒታል ነርስ ተስፋኣለም ገብረኣምላኽ፡ ሕጽረታቶም ከከም ቀዳምነታቱ ይፍታሕ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ከምቲ ሕጽረት ናይ ኦክሲጅን ማሽን ንምፍታሕ ዝተወስደ ስጒምቲ፡ ናይ ሃፋን ረኽሲ ሳንቡእን ማሽን ክማልኣሎም ተማሕጺኑ።

ኣብ’ታ ኮማዊ ሆስፒታል፡ መርመራ ሕማማት፡ ኣገልግሎት ላቦራቶሪ፡ ሕክምና ዓይኒ፡ ኣገልግሎት ክታበት፡ ምክትታል ድሕነት ኣደን ህጻንን፡ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ረዲኤት ከምዝወሃብ ዝገለጸ ነርስ ተስፋኣለም፡ ተወሳኺ ኣገልግሎታት ንምሃብ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

19 ሰብ ሞያ ጥዕና ዝርከብዎም 47 ሰራሕተኛታት ዘለዉዋ ኮማዊ ሆስፒታል ሓጋዝ፡ ካብ ገለ ክፋል ዞባ ጋሽ-ባርካ ንዝመጹ ሕሙማት’ውን ኣገልግሎት ከምእትህብ ይፍለጥ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ሸፈነ ክታበት ጸረ ሕማም ኣንቅጺ 97 ሚእታዊት፡ ምዕዳል ቫይታሚን ‘ኤ’ ድማ 98 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝርከቡ ጓሶት ንምኽታብ ድማ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ፡ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።

Categories