ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ካብ 31 ታሕሳስ 2019 ክሳብ 4 ጥሪ 2020፡ ኣብ ወፍሪ ምክልኻል ኣንበጣ ንዝነጥፉ 22 ኣባላቱ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጽገና መንጸጊታት ጸረባልዕ ዘተኰረ ስልጠና ወዲቡ።
እቲ ኣብ ዳዕሮ-ቃውሎስ ዝተዋህበን ብክልሰ-ሓሳብን ግብርን ዝተሰነየን ስልጠና፡ ኣብ ካይሮ – ግብጺ ካብ ዝመደበሩ ኮሚሽን ምክልኻል ኣንበጣ ምድረበዳ ኣብ ማእከላይ ዞባ ብዝመጸ ላዕለዋይ ክኢላን መምህርን ኣሰይድ ራሚ ኣልዓረቢ’ዩ ተዋሂቡ።
ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ምክልኻል ሳገምቲ ባልዓት ኣቶ ቴድሮስ ስዩም ብዛዕባ ዕላማ’ቲ ስልጠና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መንጸጊ ጸረ-ባልዕ ማሽናት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ዝበላሸወሉ ዓቢ ብድሆ ኮይኑ ምጽንሑ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ቲ ወፍሪ ዝነጥፉ ኣባላት ኣፍልጦ ሃልይዎም ናይ ጽገና ንጥፈታት ባዕላቶም ብምክያድ ነዚ ጸገም’ዚ ንምፍዋስ እቲ ስልጠና ከምእተወደበ ገሊጹ።
ሰልጠንቲ ብወገኖም፡ ቅድሚ ሕጂ መንጸጊ ማሽናት ምስ ዝበላሸዎም ካብ ዞባታት ናብ ኣስመራ ይለኣኽ ከምዝነበረ፡ እዚ ድማ ነቲ ግዜ ዘይህብ ወፍሪ ምክልኻል ኣንበጣ ካብ ቀንዲ ብድሆታት ኰይኑ ምጽንሑ ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ ስልጠና ነዚ ጸገም’ዚ ኣብ ምፍታሕ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።
ነቲ ስልጠና ዝሃበ ኣሰይድ ራሚ ኣልዓረቢ ብወገኑ፡ ሰልጠንቲ ዘርኣዩዎ ተገዳስነት፡ ኣብ’ቲ ሞያ ንዘሎዎም ፍቕሪ ከምኡ’ውን ናይ ስራሕ ባህሊ ዘርኢ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ንሓሙሽተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ስልጠና፡ ኣብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ብዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምዕዳል ወረቐት ምስክር’ዩ ተዛዚሙ።
ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻዊ ኤክስተንሽን ኣቶ ሕሩይ ኣስገዶም ኣብ ዘስመዖ መዛዘሚ ቃል፡ ኤርትራ ኣብ ምክልኻል ኣንበጣ ትገብሮ ዘላ ዕዉት ወፍርታት፡ እዚ ናይ ስልጠና ዕድል ብቐዳምነት ክትረክብ ከምዘኽኣላ ብምጥቃስ፡ ኣብ መካይን ዝጸዓን ይኹን ኣብ ዝባን ዝሕንገጥ መንጸጊ ጸረ-ባልዓት፡ ኣብ ምዕዋት ወፍሪ ምክልኻል ኣንበጣ ወሳኒ ተራ ስለዘለዎ፡ ሰልጠንቲ ንዝተመሃርዎ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ኣዘኻኺሩ።