ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ 375 ሓረስቶት፡ እቶታውነት ሕርሻ ክብ ኢሉ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ – ኣብ ዝሕግዞም ትምህርቲ ተሳቲፎም።
እቲ ካብ 24 ክሳብ 27 ታሕሳስ ኣብ 15 ምምሕዳራት ከባቢ ብክኢላታት ሕርሻ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ኣእካል – ድሕሪ ምእካቡ ክግበረሉ ብዛዕባ ዘለዎ ዝተመሓየሸ ኣተሓሕዛን ኣከዛዝናን፡ ሰኣን ኣተዓቓቕባ ዝረአ ብኽነት፡ እቶትን ኣገባብ ኣተዓቓቕባኡን፡ መኼዳን ምርግጋጽ ብቕዓት ምህርቲን. . . ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዘተኰረ ነይሩ።
ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ክኢላ ስነ-ኣዝርእቲ ኣቶ ጠዓመ ማሉ፡ እቶም ሓረስቶት ኣብ እቶቶም ግቡእ ምሕደራን ኣከዛዝናን ከዘውትሩን፡ ዝቐሰምዎ ፍልጠት ናብ ካልኦት ሓረስቶት ከመሓላልፍዎን ተላብዩ።
ኩነታት ክራማት ሎም-ዘበን ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ክነጻጻር እንከሎ – ዝለዓለ መጠን ከም እተመዝገበን፡ ብኣኡ መጠን እቶታውነት ሕርሻ ከምዝዓበየን እውን ገሊጹ።