ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ – ምምሕዳር ከባቢ ገደም-ላሓዜን ዝርከባ ዓድታት ባርዳዲማ፡ ሃራትን ላሓዜንን፡ ዕዉት ከባብያዊ ጽሬት ኣካዪደን።
ብ30 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ፎሮ ኣቶ ዑስማን ዓረፋ፡ እቲ ዓወት – ውጽኢት ናይ’ቲ ካብ ወርሒ ለካቲት 2019 ጀሚሩ ዝተኻየደ ጐስጓስ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ – ዛጊት 20 ዓድታት መደባተን ምሉእ ብምሉእ ከምዝተግበራ ሓቢሩ።
ሓላፊ ትካላት ጥዕና ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ነርስ መርሃዊ ሓድጉ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ዝምስገን ስራሓት ከምእተሰላሰለ፡ ዝተረፈ መደባት ክሳብ መወዳእታ 2020 ብምልኣት ንኽትግበር ድማ፡ ብዕቱብ ከምዝስራሓሉ ገሊጹ።
ኣብ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ረዘነ ፍስሃ ብወገኑ፡ እተን ዓድታት ዝወሰዳኦ ተበግሶ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ኣብ ከባቢያዊ ጽሬት ሰሪጹ ዘሎ ንቕሓት ምዃኑ ኣረዲኡ።