ኤርትራ እተአንግዶ ክሳብ 7 ጥሪ ዝጸንሕ ዞባዊ ውድድር ኩዕሶ መርበብ ገማግም ባሕሪ፡ ሎሚ 4 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ኣብ ከተማ ባጽዕ – ገማግም ገርጉሱም ብወግዒ ክኽፈት እዩ።
ፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ መርበብ ኤርትራ፡ ኣቶ ሚካኤል ተኽለሚካኤል፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ’ዚ ውድድር ብክልቲኡ ጾታ ክትሳተፍ ምድላዋታ ኣጻፊፋ ከምዘላ ሓቢሩ።
ኣብ’ዚ ንኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ዝካየድ ናይ ቀዳማይ እብረ መጻረዪ ውድድር፡ ሓሙሽተ ሃገራት – ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሩዋንዳ፡ ግብጺን ደቡብ ሱዳንን ከምዝሳተፋ ተፈሊጡ ኣሎ።
ብዘይካ ሃገራዊት ጋንታ ሱዳን፡ ኩለን ተሳተፍቲ ሃገራት ብክልቲኡ ጾታታት ከምዝወዳደራ ተሓቢሩ።
ሃገራውያን ጋንታታት ሱዳን፡ ሩዋንዳን ግብጺን – ድሮ ናብ ኤርትራ ክኣትዋ እንከለዋ፡ ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ሱዳን ሎሚ ክትኣቱ ትጽቢት ይግበር።
ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ፡ ትማሊ 3 ጥሪ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወትሉ፡ ፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ መርበብ ኤርትራ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ኮንፈደሬሽን ኩዕሶ መርበብ ኣፍሪቃ – ዞና 5 ሩዋንዳዊ ሚስተር ጉስታቭ ንኩሩንዚዛ ተቐቢሎምዋ።
ኮንፈደሬሽን ኩዕሶ መርበብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ 7 ዞናት ተመቓቒሉ ውድድራቱ ከምዘካይድ ይፍለጥ።