ኣብ ንኡሳን ዞባታት ጸሮናን ማይዓይኒን ዝርከባ 19 ዓድታት፡ ጽሬት ከባቢ ንምውሓስ ዝሕግዘን ናይ ጽሬት ኣዋጅ ኣጽዲቐን።

እተን ናብዚ ደረጃ’ዚ ዝበጽሓ ዓድታት፡ 16 ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ሰለስተ ድማ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ ዝርከባ እየን።

ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚ፡ ምስራሕ ዓይኒ-ምድሪ ጥራይ ኣኻሊ ስለዘይኮነ፡ ተጠቃምነቱ ከም ባህሊ ክሰርጽ ዘዘኻኽር ሓበሬታታት ሓሊፉ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ 13 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ብ27ን 28ን ታሕሳስ፡ ልዕሊ 3 ሽሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ወፈራዊ ጽሬት ተኻዪዱ።

Categories