ተቐማጦ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ብሓያል ጻዕሪ ሓረስቶትን ህጡር ክራማትን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ዝበጽሐ ዘራእቲ ብእዋኑ ኣብ ቆፎኡ ንምእታው – ዝተራእየ ውህደት ተሞጒሱ።

ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝተረኽቡሉ ብ31 ታሕሳስ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም፡ ኩሉ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተሰላሰለ ናይ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ስራሓት ከምኡ’ውን ዝኣኸለ ኣእካል ካብ ጸያቕ ማዕጺድን ባልዕን ናይ ምክልኻል ወፈራታት፡ ውጽኢታዊ ምንባሩ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ ህዝቅያስ ውህበት፡ ኣብ 2019 ልዕሊ 28 ሽሕ ጉልበት ሰብ ዝተሳተፎ ወፈራታት ምእካብ ዘራእትን፡ ኣስታት 285 ሽሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከባብያዊ ጽሬትን፡ ከም እተሰላሰለ ኣብሪሁ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት፡ 25 ሽሕ ፈልሲታት ገረብ ከምእተተኽለ እውን ገሊጹ።

ነበርቲ ሓሙሽተ ዓድታት፡ ሕጽረት መምሃሪ ክፍልታት ንምፍታሕ ተበግሶ ወሲዶም – ብኣስታት 4 ሚልዮን ናቕፋ ጸገሞም ከምዘቃለሉ ዝሓበረ ኣቶ ህዝቅያስ፡ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ክድፋኣሉ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ዕደላ መሬት ጤሳ ክቀላጠፍ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማን ከባቢታትን ተባሕጒጉ ዘሎ ጽርግያታት ጽገና ክግበረሉ፡ ናብ ዓድታት ዝኣቱ ጽርግያታት ኣቓልቦ ክወሃቦ፡ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ክሰፍሕ፡ ድበት ዝመልኣ ዒላታት ኣብ ምጽራግ ናይ ማሽነሪ ደገፍ ክግበር. . . ዝብሉ ሕቶታት ኣቕሪቦም።

Categories