ኤርትራውያን ነበርቲ ጁባ – ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን ኣደውሓ – ቐጠርን፡ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ማሕበረኮም ጁባን ከባቢኣን ከምኡ’ውን ሽማግለ ምሕደራ ህንጻ፡ ብ28 ታሕሳስ ምስ ኣስታት 150 ኤርትራውያን ወለዲ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ቁጽሮም እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ኤርትራውያን ቈልዑ ኣብታ ሃገር፡ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ዝረኽቡሉ ባይታ ንምፍጣር ዘትዮም።
ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኤምባሲ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ጽንዓት፡ መውዓሊ ህጻናትን ኣገልግሎት ቀዳማይ ክፍሊን ዝህብ ክፍሊ ክዋደድ ኣብ ምርድዳእ ስለዝተበጽሐ ድማ፡ ካብ 3 ክሳብ 6 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣስታት 76 ህጻናት ናይ መውዓሊ ህጻናት፣ ካብ 6 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ኣስታት 16 ህጻናት ድማ ናይ ቀዳማይ ክፍሊ ትምህርቶም – ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት 2020 ክጅምሩ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
ምስ ኤምባሲን ሽማግለ ምሕደራ ህንጻን ኮይና – ነቲ መደብ እትከታተል 10 ዝኣባላታ ሽማግለ ወለዲ ድማ ቈይማ።
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ እዚ ኣብ ጁባን ከባቢኣን ንዝርከቡ ህጻናት ዝኽፈት ዘሎ ናይ ትምህርቲ ዕድል፡ ኣካል ናይ’ቲ ኩሎም ኤርትራውያን ህጻናት ክመሃሩ ኣለዎም ዝብል መሰረታዊ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣባላት ሃማደኤ ጨንፈር ቐጠር ድማ፡ ብ27 ታሕሳስ ዝኽሪ 40 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ “ቃልሲ ክሳብ ምሉእ ዓወት” ብዝብል ቴማ ጸምቢለን።
ኣደ-መንበር ናይ’ቲ ጨንፈር ወይዘሮ ጀሚላ ዑስማን፡ ንተራ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ምውሓስ ልኡላውነትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዳግመ-ህንጻ ሃገር ዝምልከት መግለጺ ኣቕሪባ።
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሃገረ ቐጠር ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም ኣሕመድ፡ ድማ፡ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ጐድኒ ብጾታ ደው ብምባል ኩሉ’ቲ ቃልሲ ዝሓቶ መስዋእቲ ከምዝኸፈለትን ቅያ ከምዝሰርሐትን ጠቒሱ፡ እዚ ታሪኽ’ዚ እናተወራረሰ ክቕጽል ብዕቱብ ክስራሓሉ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።