ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ደቡብ ኮሎኔል ዘሚኪኤል ተኽልያ፡ ንተመሃሮ ኮሌጅ ምሕደራ ዋኒንን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዓዲ-ቐይሕ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ብ27 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ኮሎኔል ዘሚኪኤል፡ ተልእኾ ፖሊስ – ገበን ብምክልኻልን ፈጸምቲ ገበን ኣብ ሕጊ ብምቕራብን ሰላም ምስፋን ምዃኑ፡ ተመሃሮ ድማ ካብ ገበንን በደልን ተሓይቦም ሰላምን ጸጥታን ከባቢኦም ንምሕላው ምስ ፖሊስ ክተሓባበሩ ኣዘኻኺሩ።

ሕጊ ዘይምፍላጥ፡ ካብ ተሓታትነት ስለዘየድሕን – ተመሃሮ ኣፍልጦኦም ኣብ ሕጊ ከበርኹን ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓሳቶም ካብ ሓደጋ ትራፊክ ክጥንቀቑን ተላብዩ።

ተመሃሮ ዝተራሕወሎም ናጻ ዕድል ትምህርቲ ተጠቒሞም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽበጽሑ፡ ግዜኦም ብግቡእ ኣመሓዲሮም ክጐዓዙን ኣርኣያ ሕብረተሰብ ክኾኑን እውን መኺሩ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ማእከልን ማሕበር ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ኤርትራን፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ኣጠቓቕማ ጽርግያ ክብ ንምባል ኣስተምህሮ ወዲቦም።

ብ29 ታሕሳስ ኣብ ዓርበ-ረቡዕ ኣብ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ሓላፊ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ማእከል ኮለኔል ታደሰ ብርሃነን ኣቦ-መንበር ማሕበር ድሕነት ትራፊክ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያምን፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣሽከርካሪ ሕግታት ትራፊክ ኣኽቢሩ ክመላለስ፡ ኣጋር እውን ጥንቃቐ ከዘውትር ተላብዮም።

Categories