ኣብ ንኡሳን ዞባታት ላዕላይ-ጋሽን ድገን፡ ካብ 15 ክሳብ 30 ታሕሳስ፡ ዕዉት ወፍሪ ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ ከምእተኻየደ ተሓቢሩ።
ኣብ ንኡስ ዞባ ላዕላይ-ጋሽ፡ ኣስታት 76 ሽሕ ትሕቲ 30 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ክኽተቡ ብዝወጸ መደብ፡ 86 ነቑጣታት ብምድኳን ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ከም እተተግበረ፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ጥዕና ናይቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ እዮብ ዘርኣይ ገሊጹ።
ኣብ ንኡስ ዞባ ድገ ብተመሳሳሊ፡ ልዕሊ 29 ሽሕ ሰባት ከምእተኸትቡን – እቲ መደብ 95 ሚእታዊት ዕላማኡ ከምዝወቕዐን፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ጥዕና’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ሓቢሩ።
ጐድኒ-ጐድኒ እቲ ክታበት፡ ንትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ቫይታሚን ‘ኤ’ ከምእተዓደለ ተፈሊጡ።