ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝተፈጸመ ቅያ፡ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ረዚን ሓላፍነት ዘሰክም ምዃኑ፡ ናብ’ቲ ቦታታት ዑደት ዘካየዱ ተመሃሮ መበል 21 ዙርያ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ገሊጾም።
እቶም ኣስታት 500 ዝኾኑ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስትን ሃገራውያን ማሕበራትን ዝተዋጽኡ መንእሰያት፡ ኣብቲ ንዓሰርተ ዓመታት ከቢድ ምርብራባት ዝተኻየደሉ ግንባር ምስ በጽሑ፡ ንጅግንነታዊ ውዕሎ ተጋደልትን ህዝብን ዝገልጽ መብርሂ ተዋሂቡዎም።
“ግንባር ናቕፋ፡ ሕላገት ርእሰምርኰሳን ዓወትን እዩ” ዝበለ ካብ ተረኽቲ ውዕሎ ሌተና ኮሎኔል ሃይለ ገብሩ፡ ወለዶታት ዝሕበኑላ ሕፍርትን ብልጽግትን ሃገር ንምህናጽ፡ እዚ ክብርታት’ዚ ብግቡእ ክውረስ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።
እቶም መንእሰያት፡ ኣብ ሰፈር ጀጋኑ በጺሖም ንሕሉፍ ቅያን ጅግንነትን ካብ ቃላት ሰብ ውዕሎ ክረኽብዎ ምኽኣሎም ሕጉሳት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ፡ ሕድሪ ጀጋኑ ብምልኣት ንምትግባር ካብኣቶም ዝሕተት ክፍጽሙ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።