ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ተራን ኣበርክቶን መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ መደባት ንምዕዛዝ ዝተኻየደ ውሁድ ጻዕሪን ውጽኢቱን ኣተባባዒ ምንባሩ፡ ጨንፈር ሃማመተኤ ብ30 ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ገምጋም ስራሕ ተገሊጹ።
ኣብ ኩለን ጨናፍር ዳግመምውዳብ ከምእተኻየደ፡ ኣስታት 400 መንእሰያት ኣብ ክለባት ተጠርኒፎም ዕዉት ንጥፈታት ከምዘሰላሰሉ፡ ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ብምውህሃድ ሰፋሕቲ ሰሚናራትን ስልጠናታት ከምእተዋህበ ተሓቢሩ።
ሓላፊ ሃማመተኤ ኣብ’ቲ ዞባ መንእሰይ ዑስማን ዓብደልቃድር፡ ናይ 2019 መደባት – ብደገፍ ዝተፈላለያ ኣካላትን ሽማግለ ኣዕሩኽ መንእሰያትን ብግቡእ ከምእተተግበሩ ብምሕባር፡ እዚ ውሁድ ስራሕ’ዚ ኣብ መደባት 2020 እውን ብዝለዓለ ክቕጽል ኣዘኻኺሩ።
ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ ኣደም ዓሊ ብወገኑ፡ መንእሰያት ብኹሉ መዳዮም ንክሕይሉ ካብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝጅምር ወፍሪ ይግበር ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ንምዕባለኦም ኣብ ዝውደቡ መደባት ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ተላብዩ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣባላት ውዳበ ጨንፈር ሰራሕተኛታት መንእሰያት ሓውሲ ከተማ ዕዲ፡ 8 ሽሕ ናቕፋ ንስድራ-ስዉኣት ኣበርኪቶም።
ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ እውን፡ ኣብ 2019 ንመንእሰያትን ተመሃሮን ማእከል ዝገበረ ንጥፈታቱ ገምጊሙ።
ኣብቲ ብ29 ታሕሳስ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ማሕበር ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት – ኣብ ውሽጢ መንእሰያትን ተመሃሮን መሃሪ ጐስጓሳትን ሰሚናራትን ከምዘካየደ፡ ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊ ፖለቲካዊ ውዳበ መንእሰይ ኣኑር ሁመድ ገሊጹ።
ን453 መንእሰያት ንኡሳን ዞባታት ከረን፡ ዒላበርዕድ፡ ዓዲ-ተከሌዛን፡ ሓጋዝን ኣስማጥን ሞያዊ ስልጠናታት ከምእተወደበ፡ ኣብ ምርባሕ ንህቢ ንዝነጥፉ መንእሰያት ንኡሳን ዞባታት ገለብን ዒላበርዕድን ልቓሕ ከምእተዋህበ እውን ተሓቢሩ።
ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ መንእሰይ ኣዛዚ በረኸትኣብ፡ ኣብ 2020 – ንዝበረኸ ውጽኢት ንምስራሕ ድሉውነት መንእሰያት ኣረጋጊጹ።