ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት በሪኽ፡ ጋላ-ነፍሒን ሰረጀቓን – ኣቐዲሙ ኣብ ዝተዓደለ መሬት ጤሳ፡ ኣብ 2020 ምስራሕ ህንጻታት ክጅመር ምዃኑ፡ ምምሕዳር ዞባ ብ30ን 31ን ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ስራሕ 2019 ተሓቢሩ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ኢንጅነር ተስፋኣለም ወልደሚካኤል፡ ርእሰውጥን ተዳልዩሉ ኣብ ዝተዓደለ ጤሳታት – ናይ’ቲ ዝስራሕ ኣባይቲ ዓይነታት ንድፊ (ሞዴላት) ብመንገዲ ምምሕዳር ንኡሳን ዞባታት ናብ ክፍሊ ህንጻ ከምዝቐርብን፡ እቲ ክፍሊ ውሳነ ምስ ሃበሉ ድማ፡ ብክኢላታት ምቁጽጻር እናተገብረሉ – እቲ ናይ ህንጻ ስራሕ ከምዝካየድን ገሊጹ።

ሎሚ ዓመት ካብ ዝተተኽለ ልዕሊ 800 ሽሕ ፈልሲታት ገረብ፡ እቲ ልዕሊ 87 ሚእታዊት ከምዝጸደቐ ዝሓበረ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ድማ፡ ልዕሊ 9 ሽሕ ተኽሊ ሜለ ተዳቒሉ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ፡ ብርባር መዓር ድማ ካብ’ቲ ናይ 2018 ብ47 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየ፡ ፍርያት እንቋቚሖ ግን ብ23 ሚእታዊት ከምዝጐደለ ገሊጹ።

ጨንፈር ጥዕና ዞባ ማእከል ብወገኑ፡ ልዕሊ 99 ሚእታዊት መንእሰያት ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ ከም ዝወሰዱ፡ ኣብ ምጥፋእ ሕማም ዓሶ – ዕዉት ንጥፈታት ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ብኣሃዝ ዝተሰነየ መብርሂ ሂቡ።

ተሳተፍቲ፡ ጸገም ማይ መሰረታዊ ፍታሕ ክናደየሉ፡ ተፋሒሮም ከይተደፍኑ ነዊሕ ዝገብሩ መስመራት ረሳሕ ፈሳሲ ኣቓልቦ ክወሃቦም፡ ሕጽረት መጐዓዝያ ክፍታሕ. . . ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ኣቕሪቦም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ዞባ – ጸገማት ህዝቢ ንምፍታሕ፡ ኣብ 2020 ቀዳምነታት ሰሪዑ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories