ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓመተ-2020 ዓመተሰላምን ብልጽግናን ክትኰነሉ እናተመነየ፡ ብሓጐስን ተስፋን ተቐቢሉዋ።
ቅድሚ ትማሊ ምሸት፡ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ከተማ ኣስመራ ኤሪና ዘዘራረበቶም ሰባት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፉ ከበድቲ ዓመታት ብጽንዓት መኪቱ፡ ኣብ ዝሓሸ ናይ ራህዋን ተስፋን መዋእል ተሰጋጊሩ ከምዝርከብ ብምጥቃስ – ነዚ ሳላ ጽንዓቱ ዘረጋገጾ ትስፉው መድረኽ፡ ብሓድነትን ስራሕን ደሪዑ ናብ መዋእል ዕብየት ከምዝሰጋገር ዘለዎም እምነት ገሊጾም።
ኣብቲ ምሸት’ቲ፡ ብምኽንያት ምፍናው ዓመተ-2019 ምእታው 2020ን፡ ኣብ ሲነማ ሮማ፡ ብትልሂት ዝተሰነየ ሙዚቃዊ ምርኢት ንህዝቢ ቀሪቡ።
እቲ ብምውህሃድ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ሚኒስትሪ ምክልኻልን ዝተዳለወን፡ ብኤሪ-ቲቪ ብቐጥታ ዝተፈነወን ሙዚቃዊ ምርኢት፡ ጉጅለታት ባህሊ ዋልታን ሚራስን ብሓባር ዘቕረባኦ እዩ።
ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ኣቶ ተስፋይ በርሀ፡ ኣብ ትርጒም ናይ’ቲ መደብን ዘመሓላልፎ መልእኽትን መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን – ሰናይ ዓመት ተመንዩ።