ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ጽፈት ምሕደራን ተጠቃምነትን ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ዓድታት፡ ሳላ ዕዙዝ ተሳትፎ ህዝቢ ውጽኢታዊ ስራሕ ከምእተሰላሰለ፡ ብ26ን 27ን ታሕሳስ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተገሊጹ።

ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንርሑቕ ገጠራት ኣብ ግምት ዘእተወ ሓያሎ ፕሮጀክትታት ማይ ከምእተተግበረ፡ ኣብ ኣጠቓቕማን ምክትታልን ድማ ኣብ ኩለን ዓድታት ዝምስገን ምንባሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ናይ ደገይታን ዳቶይሲማን ፕሮጀክትታት፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝጸንሐ ሽግር ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣብ ምቅላል ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝነጥፋ ጀላቡ 600 ከምዝበጽሓ፡ መነባብሮን እቶትን ገፈፍቲ ዓሳ ንምምሕያሽ ዝግበር ደገፍ፡ ውጽኢቱ ኣተባባዒ ኮይኑ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድስዒድ ማንታይ፡ ብደረጃ ዞባን ምምሕዳር ከተማ ዓሰብን ዝትግበሩ ኣገደስቲ መደባት ክህልዉ ምዃኖም ብምሕባር፡ ሰብኣውን ንዋታውን ዓቕምታት ብዝተወሃሃደ ኣገባብ ንምጒስጓሱን ኣብ ስራሕ ንምውዓሉን ልዑል ኣተኵሮ ክወሃቦ ኣዘኻኺሩ።

Categories