ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዝነበረ ህጡር ክራማት – ጻዕሪ ሓረስቶት ተሓዊስዎ፡ ርቡሕ እቶት ኣእካል፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ክሕፈስ ትጽቢት ከምዝግበር፡ ብ26ን 27ን ታሕሳስ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተገብረ ዓመታዊ ገምጋም ተገሊጹ።
ኣብ’ቲ ልዕሊ 200 ሰብ ሞያ ሕርሻን ኣመሓደርትን ዝተረኽቡሉ ገምጋም፡ ንልምዓት ብቚሊ፡ ሃብቲ እንስሳ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ልምዓት መስኖን ዝምልከት ዝርዝራዊ ጸብጻባት ቀሪቡን ብዕምቈት ተዘትዩሉን።
ብመሰረት’ቲ ጸብጻባት፡ 156,269 ሄክታር ተሓሪሱ፡ ዝተፈላለየ ኣእካል ከምእተዘርአ፡ ብመሰረት ኣፈናዊ ገምጋም ድማ – እቲ ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ እቶት ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብ18 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለ፡ ኣብ 8,200 ሄክታር ካብ ዝለምዐ ኣሕምልትን ፍረታትን ከኣ – ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ኩንታል ተሓፊሱ ንዕዳጋ ከምዝቐረበ ተፈሊጡ።
መደባት ምክልኻል ኣንበጣ ኣብ ዘጠቓለለ ጸብጻብ ሓለዋ ጥዕና ብቚሊ እውን፡ ኣብ 6264 ሄክታር መድሃኒት ጸረ-ባልዓትን ሕማማትን ከምእተነጽገን ውጽኢታዊ ከምዝነበረን ተገሊጹ።
ኣብ ትሽዓተ ንኡሳን ዞባታት 10 ንኣሽቱ ዲጋታት ንምስራሕ ብዝወጸ መደብ ድማ፡ እተን 8 ተሰሪሐን ኣገልግሎት ክጅምራ እንከለዋ፡ ዝተረፋ ክልተ ኣብ መስርሕ ከም ዝርከባ ተሓቢሩ።
ክታበት ጥሪት ዘይምክያዱ፡ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምቲ ዝድለ ዘይምስልሳሉ፡ ዋሕዲ ዝናብ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሰገነይቲ፡ ዓዲ-ቐይሕን ሰንዓፈን፡ ጸያቒ ማዕጺድ ኣብ ምህርቲ መጠናዊ ጉድኣት ምውራዱ፡ ከምኡ’ውን እኹል መድሃኒት ጸረ-ባልዕ ዘይምንባሩን ኣፋውስ እንስሳታት ንሓረስቶት ብርትዓዊ ዋጋ ዘይምቕራቡን፡ ገለ ካብ ዝነበሩ ጸገማት ምዃኖም ተዘርዚሩ።
ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ደቡብ ኣቶ የማነ ኣባይ፡ ሰብ ሞያ ሕርሻ ኣብ ጐድኒ ሓረስቶት ኮይኖም ፍርያት ብዓይነትን መጠንን ንምዕባይ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ።