ህግደፍ ዞባ ማእከል፡ ምሕያል ግንባር ካብ ቀዳምነታት መደባት 2020 ምዃኑ፡ ብ27ን 28ን ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ገምጋም ገሊጹ።

ኣብቲ መራሕቲ ንኡሳን ጨናፍርን ጉጅለታትን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ኣቦመንበር ህግደፍ ዞባ ማእከል ኣቶ ዮሱፍ ሳይቕ፡ ምሕያል ህዝባዊ ግንባር፡ ምውሓስ ሃገርን ምድንፋዕ ጉዕዞ ማሕበራዊ ፍትሒን ስለዝኾነ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብዚ መዳይ’ዚ ዘተኰረ ሰፊሕ መደባት ክትግበር ምዃኑ ኣብሪሁ።

ምሕጋዝ ስድራ ስዉኣትን ጽጉማትን፡ ከም ባህሊ ተወሲዱ፡ ህዝቢ ብንጥፈት ይዋስኣሉ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ ዮሱፍ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ ምእካብ ዘራእቲ ዝተራእየ ኣድማዒ ወፈራታት፡ መርኣያ ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ከምዝኾነ፡ ኣብ መጻኢ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ክቕጽል ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ብወገኑ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምምላእ ብሓፈሻ፡ ጸገም ዝስተ ጽሩይ ማይ ንምፍታሕ ድማ ብፍላይ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ብዝያዳ ክድፋኣሉ ምዃኑ፡ መስርሕ ጽገና ጽርግያታት ከተማ እውን ከምዝቕጽል ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ፡ ብ27 ታሕሳስ ንመራሕቲ ጨናፍርን ጉጅለታትን ሲቪል ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ህሉው ኩነታትን መደባት 2020 ኣተኲሩ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ንዝሓለፈ ከቢድ ተጻብኦታትን ሓያል መኸተ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ዝሃበ ኣቶ ኣልኣሚን፡ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ ውጽኢት ናይዚ ሓያልን ንቑሕን መኸተ ከምዝኾነ ኣረዲኡ። ነዚ መድረኽን ኪኖኡን ዝጠመተ ሓያል ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ይሰላሰል ከምዘሎ ድማ ገሊጹ።

ኣቶ ኣልኣሚን፡ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፡ ካብቶም ኣብ 2020 ብሰፊሑ ዝትግበሩ መደባት ምዃኖም፡ ዝተወጠኑ መደባት ብሰሚናራት ንህዝቢ ከምዝግለጹ ሓቢሩ።

Categories