ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብምውህሃድ መደብ መኸተ ልምዓት እናተመርሐ፡ ኣብ ምርግጋጽ ቀረብ ማይ፡ ምጽጋንን ምስራሕን ጽርግያታትን ቢንቶታትን፡ ምድንፋዕ ፍርያት ሕርሻን ጥሪትን፡ ምሕጋዝ ጽጉማት ስድራቤታት፡ ምእካብ ሕርሻዊ እቶት፡ ምግራብ፡ ምህናጽ ከዘንቲ ማይን ምፍዋስ ማይ ክዖታትን ዘጠቓልል ውጽኢታዊ ስርሓት ከም እተዓመ፡ ብ25 ታሕሳስ ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ተገምጊሙ።

እቲ ብተሳተፍነትን ምውህሃድን ህዝቢ፡ ሰራዊት፡ ኩባንያታት ህንጻ ሰገንን ብድሆን፡ ኮርፖረሽን ዘራእትን ጥሪትን፡ ጨናፍር ሚኒስትሪታትን ማሕበራትን፡ ህግደፍ፡ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልኦት መሻርኽትን ዝተዓመ ስርሓት፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህዝቢ’ቲ ዞባ ኣብ ምምሕያሽ ልዑል ተራ ከምዝነበሮ፡ ኣወሃሃዲ መኸተ ልምዓት ምዕራባዊ ዞባ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ ገሊጹ።

እቲ ልዑል ውህደት ዝተራእየሉ ስራሕ፡ ብፍላይ ኣብ ምርጋግጽ ቀረብ ማይን ምግራብን ኣንፈት ዝህብ ውጽኢት ከምዝነበሮ ዝጠቐሰ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት – ብፍላይ ኣብ ምህናጽ ኣብያተትምህርትን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፡ ምጽጋንን ምህናጽን ጽርግያታት፡ ምግራብን ምሕላው ጽሬት ከባብን ልዑል ኣተኵሮ ብምሃብ ከም ዝስርሓሉ ሓቢሩ።

ተሳተፍቲ፡ መደብ መኸተ ልምዓት ምዕራባዊ ዞባ፡ ኣብ ምቅላል ጸገማት ህዝቢ ዘለዎ ተራ ዕዙዝ ብምዃኑ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ብዝለዓለ ኣወዳድባ ክቕጽል ተላብዮም።

ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ እቲ ዞባ ኣብ ዝመጽእ ዓመት – ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ኣብ ምግራብ፡ ከባብያዊ ጥዕና፡ ኣብ ምርጋግጽ ብቕዓትን ተሳታፍነትን ኣብ ትምህርቲ. . .፡ ልዑል ኣትኵሮ ክገብር ምዃኑ ገሊጹ።

Categories