ኣብ ምዕዋት መደባት ልምዓት ናይ ዝመጽእ ዓመት፡ ህዝቢ ከም ወትሩ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ብ24 ታሕሳስ ምስ ነበርቲ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኣተሓሳሲቡ።
ህዝቢ ኣብ’ዚ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መዋእል፡ ሃገሩ ኣብ ምህናጽን ምልማዕን ብዝተዓጻጸፈ ኣበርክቶ ክነጥፍ ተላብዩ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣስታት 295 ሽሕ ፈልሲ ገረብ ከምዝተተኽለ ዝሓበረ ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣቶ ክፍለማርያም ገብረመስቀል ድማ፡ ጌና ኣብ መስርሕ ትግባረ ንዝርከቡ መደባት ንምፍጻም፡ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ተላብዩ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ሸፈነ ወፍሪ ክታበት ጸረ-ኣንቅጺ፡ ብደረጃ ንኡስ ዞባ 82% ካብ ነበርቲ ከምዝተኸትቡ፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ምክትታል ናይ ዝገብራ ነብሰ ጾራት ቁጽሪ 40% ምህላዉ ብምሕባር ከኣ፡ ህዝቢ ኣፍልጦኡ ብምብራኽ ናይ ጥዕና ትካላቱ ዝያዳ ክግልገለለን ኣዘኻኺሩ።