ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ተርእዮ ገበናትን በደላትን ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ – መጠናዊ ወሰኽ ብምርኣዩ፡ ንምንካዩ ተሳትፎ ህዝቢ ክሕይል ኣዛዚ መደበር ፖሊስ’ቲ ንኡስ ዞባ ተለንተ ኣመናይ ዘውደ ኣገንዚቡ።
ተለንተ ኣመናይ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብድምር 393 ገበናትን በደላትን ከምእተመዝገበ ብምሕባር፡ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ዝኽወል ገበን ይኹን በደል ስለዘየለ፡ ህዝቢ ምስ ፖሊስ ዝገብሮ ምትሕብባር ከዕዝዝ ጸዊዑ።
ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ተርእዮ ጥሕሰት ሕጊ ትራፊክ ኣብ ቅድሚት ከምዝስራዕ ብምጥቃስ ድማ፡ ክቱር ናህሪ፡ ብዘይ መምርሒ ፍቓድ ምዝዋር፡ ምልክታት ትራፊክ ዘይምኽባር፡ ቀዳምነት ዘይምሃብ፡ ከምኡ’ውን ኣልኮላዊ መስተ ሰቲኻ ተሽከርከርቲ ምምራሕ፡ ካብቶም ግኑናት ተርእዮታት ምዃኖም ኣረዲኡ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዘጋጠመ 69 ሓደጋታት ተሽከርከርቲ፡ 6 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 56 ከምዝቘሰሉ፡ ኣብ ንብረት ዝወረደ ዕንወት ድማ ልዕሊ 769 ሽሕ ናቕፋ ከምዝግመት ኣብሪሁ።