ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ማእከል ዝወደቦ፡ ን‘ዓሳ ኣብ ጥዑም ማይ’ (ካብ ጨው ናጻ ኣብ ዝኾነ ማይ) ዝምልከት ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ብ25 ታሕሳስ ኣብ ማይ-ስርዋ ተኻይዱ።

ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ኤሳው ትኩእ፡ እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ዕላማኡ፡ ብዛዕባ ዓሳ ኣብ ዲጋታት ኣፍልጦ ክህሉ ንምሕጋዝን፡ ኣብ ጥዑም ማይ ዓሳ ንምፍራይ ዝካየድ ዘሎ ፕሮጀክት ንመሻርኽቲ ንምሕባርን ምዃኑ ኣረዲኡ። ፕሮጀክት ‘ዓሳ – ጥዑም ማይ’ ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ ድማ ሓቢሩ።

ምፍራይ ዓሳታት ኣብ ጥዑም ማይ ዕላማኡ፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ርሒቑ ዝነብር ህዝቢ ተጠቃሚ ዓሳ ንምግባር ኮይኑ፡ እቲ ፕሮጀክት ካብ ደገ ተገዚኦም ብዝኣተው ዓሳታት ካብ 1994 ጀሚሩ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ዝርከባ 33 ዲጋታት ዝፋረዩ ዘለዉ ኣርባዕተ ዓይነት ዓሳታት፡ ኣብ ደረጃ ምግፋፍ በጺሖም ከምዘለዉ ዝሓበረ – ኣቶ ኤሳው፡ ህዝቢ ኣብ ዲጋታቱ ዝፈረዩ ዓሳታት ክጥቀመሎም ከምዝግባእ ኣዘኻኪሩ።

Categories