ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕድመ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ብመሰረት’ቲ ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ክልተኣዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ፡ ኣብ 2020 ቀዳምነት ኣብ ዝወሃቦም ኣገደስቲ ጽላታት፡ ብቐንዱ ድማ ኣብ መዳያት ትሕተ-ቅርጻዊ ምትእስሳርን ልምዓታዊ መደባትን ጭቡጣት መደባት ንምትግባር ተመያዪጦም።

ኣብ ዞባዊ ጉዳያትን ምዕባለታትን ኣብ ዘካየድዎ ሰፊሕ ምይይጥ ድማ፡ ነቲ ካብ ምኽታም ናይቲ ስምምዕ ጀሚሮም ብሓባር ክሰርሑሉ ዝጸንሑ ዞባዊ ውህደት፡ ኣብ 2020 ብዝተጠናኸረ መልክዕ ክዕቅብዎን ክሰርሑሉን ተሰማሚዖም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ትማሊ ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝተበገሰሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ስነስርዓት ኣፋንዩዎ።

ክልቲኦም መራሕቲ – ድሕሪ ስምምዕ ኣስመራ በብእዋኑ ዝገብርዎ ዘለዉ ምብጽጻሕ፡ ምስ’ቲ ዘሎ ብድሆታት፡ ጉዕዞ ሰላም፡ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ንምሕያል ናይ ዘሎ ሓባራዊ ድሌትን ቈራጽነትን መግለጺ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንክብሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ምስኡ ዝተጓዕዘ ላዕለዋይ ልኡኽን፡ ብ26 ታሕሳስ ናይ ድራር እንግዶት ገይሩ ነይሩ።

ኣብቲ እንግዶት፡ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውደ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኰነን፡ ሚኒስተራት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት፡ ፍሉጣት ሰባትን ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዓሚቚ ዘተ ከምዘካየዱ ብምሕባር፡ “ራእይና፡ ብዓጸፋ ስራሕ ከምዝሰምር ርግጸኛታት ኢና” ኢሉ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጀመራኦ ጉዕዞ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ብዝተፈላለየ መደባት ክድርዓኦ ኣብ ሓያሎ ጽላታት ብሓባር ይሰርሓ ከምዘለዋ ድማ ኣረጋጊጹ።

ኣብ’ዚ ካብ 25 ክሳብ 27 ታሕሳስ ዝተኻየደ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዳይረክተር ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቶ ኣሚን ሓሰንን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓቢሮም ተጓዒዞም ነይሮም።

Categories