መንእሰያት፡ ተራሕዩ ናይ ዘሎ ሰፋሕቲ ዕድላት ተረባሕቲ ብምዃን፡ ኣብ ጽላት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ኢንዱስትሪ ሕርሻ መራኸቢታትን ካልእን ዕዙዝ ተሳትፎ ብምንጽብራቕ ኤርትራ ብቑጠባ ዝበልጸገት ንምግባራ ተራኦም ክጻወቱ፡ ኣምበሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር ኣዘኻኺሩ።
ኣብ’ቲ ብ24 ታሕሳስ ንተማሃሮ፡ ኣባላት ቤት-ጽሕፈት ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ዝገበሮ ሰሚናር፡ ኣምበሳደር ተስፋሚካኤል፡ ኣብ ከባቢና ዞባናን ዓለምን ዘሎና ናይ ሰናይ ጉርብትና – ዘላቒ ናይ ልምዓትን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ጽምዶ፡ እናሓየለ ይኸይድ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ነዚ ብምግንዛብ ሃገራዊ ሓድነትና ኣደልዲልና ሃገርና ዝሓቶ ክንፍጽም ከምዝግባእ ኣረዲኡ።
መንእሰያት፡ ንቑሓት ኮይኖም ውዳብኦምን ጥምረቶምን ብምሕያል ራኢኦም ክትግብሩ ብምልባው ድማ፡ ሃገራዊ መንነትን ባህላዊ ክብርታትን ብምዕቃብ፡ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ልምዓትን ህንጸትን መደባት ብውሑስን ኣተኣማማኒን ደረጃ ንኽቕጽል፡ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽ ንመንእሰያት ረዚን ሕድርን ሓላፍነትን ዘሰክም ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ትካላዊ ኣሰራርሓን ሓያል ውዳበን፡ ንሃገራዊ ድሕነትና ቀዳምነት ዝህብ ምዃኑ ብምሕባር ከኣ፡ ከምቲ ናጽነት ንምምጻእ ዝተራእየ ተወፋይነት፡ ልኡላውነት ንምዕቃብን ዝተሓንጸጹ መደባት ልምዓት ንምትግባርን መንእሰያት ኤርትራ ዘርኣዩዎ ትብዓትን ንጥፈታትን ብምንኣድ፡ ናብ ወለዶታት ክሰጋገር ዘለዎ እምነት ገሊጹ።
ተሳተፍቲ ብግደኦም፡ መንእሰያት ኣብ ዝሰርሑሉ ትካላት ንተወፋይነቶም ዝሕግዝ ዕቱብ ምቁጽጻርን ምክትታልን ክግበርን ክግምገምን ከምኡ’ውን ዝሰፍን ዘሎ ዞባውን ኣህጉራውን ዝምድናታት ዝያዳ ክድፍኣሉ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።