ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ምስኡ ዝተጓዕዘ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራን፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ካብ ኣዲስ-ኣበባ ንሸነኽ ምብራቕ 88 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣዳማ – ክልል ኦሮምያ፡ ዑደት ኣካዪዱ።
ኣብቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተሰነየ ዑደት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ንሱ ዝመርሖ ልኡኽን ኣብ’ታ ከተማ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ብባህላዊ ስነ-ስርዓት ህዝቢ ኦሮሞ ዝተሰነየ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።
መርኣያ ሰናይ ምንዮት ንኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ፡ ስሉማት ኣፍራስን ባህላዊ ኣልባሳትን ንክልቲኦም መራሕቲ ተበርኪቱሎም – ብባንዴራታት ክልቲአን ሃገራት ዝማዕረገ ሕብስቲ እውን ተቖሪሱ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ምስኡ ሓቢሩ ዝተጓዕዘ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራን ብዘይካ’ዚ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተሰንዩ፡ ኣብ ከባቢታት ኣዳማ፡ ቢሾፍቱን ዱከምን ዑደት ብምግባር፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ሕርሻውን ኢንዱስትራውን ልምዓት ተዓዚቡን ብዛዕባ ስፍሓቱን ትሕዝቶኡን መብርሂ ተዋሂቡዎን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት እዩ – ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ብ25 ታሕሳስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገይሹ።