ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ከባቢ ‘ስድስት ኪሎ’ ኣብ ኣስታት 5 ሽሕ ካሬሜትር ናይ ዝስራሕ ሓድሽ ህንጻ ኤምባሲ ኤርትራ፡ እምነ መሰረት ኣንቢሮም።
ኣብ’ቲ ብሃገራዊ መዛሙር ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተሰነየ ስነ-ስርዓት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እዚ ንኤምባሲ ኤርትራ ተዋሂቡ ዘሎ መሬት፡ “ህያብ በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፡ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ እዩ” ኢሉ። “ኣብ 2020 ምስ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ብዝበለጸ ንምስራሕ ቅሩባት ኢና” ድሕሪ ምባል ከኣ፡ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ብፍላይ ዓመተ ምሉእ ብልጽግና ከም እትኸውን እምነቱ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ስለ’ቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ብህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ድማ ብፍላይ ዝተገብረሉ ምዉቕ ኣቀባብላን እንግዶትን ድሕሪ ምምስጋን፡ “ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ዕድል ዓቢ ስለዝኾነ፡ ነቲ ዝተኸስረ ናይ ሰለስተ ወለዶታት ዕድላት ብዓጸፋ ስራሕ ንምኽሓስ፡ መኣዝንና ከይሰሓትና ክንሰርሕ ኢና” ክብል ኣገንዚቡ። ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ድማ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰብ-መዚ ክልቲአን ሃገራት፡ ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ኢንጅነር ታከለ ኡማ፡ ከምኡ’ውን ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም ነይሮም።