ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዝተሓንጸጹ መደባት ብግቡእ ከም እተተግበሩ፡ ብ24 ታሕሳስ ኣብ ዝተቓንዐ ገምጋማዊ ኣኼባ ተገሊጹ።
ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን፡ መንግስቲ ከከም ቀዳምነታቱ ዝትግበር መደባት ሰሪዑ ምህላዉ ብምሕባር፡ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንዝርአ ሕጽረታት፡ ህዝቢ ምስ ናይ ቀረባ ሓለፍቱ ብምምይያጥ – ንምፍታሑ ጻዕርታት ክካየድ ኣዘኻኺሩ።
ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ኣቶ መሓሪ ዮውሃንስ፡ ሽማግለ ጤሳ ዓድታት ስርሖም ብምጽፋፍ – ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ተራኺቦም ኣብ ዝሓጸረ ግዜ መስርሕ ምዕዳል ጤሳ ከካይዱ ብምዝኽኻር፡ ኣብ 2020 መስርሕ ህንጻ ክጅምር ምዃኑ ኣተንቢሁ።
ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ኣቶ መስፍን ገብረትንሳኤ፡ ኣብ ምጽጋን ጽርግያ፡ ኣብ ጽሬት ከባብን ዓጺድ ኣእካልን – ልዕሊ 36 ሽሕ ጉልበት ሰብ ከም እተሳተፈ፡ መደባት ምግራብ ብ75 ሚእታዊት ከምዝዓበየ፡ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ገሊጹ። ኣብ መስርሕ ትግባረ ዝርከቡ መደባት ንምዕዋት፡ ህዝቢ ከም ወትሩ ብሓያል ውዳበ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ድማ ተላብዩ።