ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ትማሊ 25 ታሕሳስ ኣብ ሰዓታት ንግሆ እዩ – ናብ ኣዲስ ኣበባ ገይሹ።
ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝኣተወሉ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብሃገራዊ መዛሙር ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ክብሪ ሰልፍን ዝተሰነየ ኣቀባብላ ገይሩሉ።
ኣብ’ቲ ናይ ምቕባል ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ሰመረ ርእሶም፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣቶ ሬድዋን ሑሴንን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ተረኺቦም ነይሮም።
ኣብ ሰዓታት ቀትሪ፡ ፕረዘደንት ኢሳይያስ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተሰንዩ፡ ንሸነኽ ሰሜናዊ ጫፍ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ እምባ “እንጦጦ” ብምምራሕ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ተደኲኑ ንዘሎ መደበር መከታተሊ ሳተላይት (satellite observatory) ብማዕዶ ተዓዚቡ፡ ከምኡ’ውን፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ብዛዕባ ዝሰላሰል ዘሎ ፕሮጀክትታት ልምዓት ፓርክ ሓበሬታ ተዋሂቡዎ።
ድሕሪ ቀትሪ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ምስኡ ዝተጓዕዘ ላዕለዋይ ልኡኽን፡ ንነዊሕ ዓመታት ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተዓጽዩ ዝነበረን፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ ፓርክ እናተለወጠ ንህዝቢ ክፉት ዝኸውን ዘሎን – ኣብ ፍል-ውሃ ዝርከብ ቤተ-መንግስትን፡ ኣብ ኣራት ኪሎ ዝርከብ ፓርክ ሓድነትን (unity park) በጺሑን እናተዘዋወረ ትሕዝቶኡ ተዓዚቡን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ብመሰረት’ቲ ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ክልተኣውን ዞባውን ዝምድናታት ኣብ ምድንፋዕ ኣብ ዝሕግዙ ጉዳያት ክዝትን ክመያየጥን እዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዳይረክተር ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቶ ኣሚን ሓሰንን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓቢሮም ተጓዒዞም ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደረላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብ18ን 19ን ሓምለ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ ምንባሩ ይዝከር።