ክሊማ ዞባ ዓንሰባ፡ ንምርባሕ ደርሁ ምቹእ ምዃኑ፡ ኣብ 2018 ዝተረኽበ ውጽኢት ድማ – ናቱ መርኣያ ከምዝኾነ፡ ሰብ-ሞያ ናይ’ቲ ዓውዲ ገሊጾም።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ኣሃዱ ምርባሕ ንህብን ደርሁን ኣቶ ሰመረ ተኽለሚካኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ከረን ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ጨቓዊት ዓዂዀን ናብ መላእ ሃገር ከም እተዘርግሓን፡ ኣብ መጻኢ ብዝበለጸ ንምቕጻሉ መደብ ከምዘሎን ሓቢሩ።

ምፍራይ ደርሁ ኣብ’ቲ ዞባ ዘይተተንከፈ ዓውዲ ምዃኑ፡ ነዚ ጸጋ’ዚ ብዝግባእ ንምምዝማዙ ከኣ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ጐስጓሳት ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሓረስቶት ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ ንከራብሑ፡ ንልዕሊ 300 ሓረስቶት ንኡሳን ዞባታት ዒላበርዕድ፡ ሓልሓልን ዓዲ-ተከሌዛንን ስልጠናታት ከምእተዋህበ እውን ሓቢሩ።

“ደርሆ ብመጠን’ቲ ዝመገብካያ እያ እተርብሓካ” ዝበለ ኣቶ ሰመረ፡ ጥረምረ ጥራይ መጊብካ ዝሓሸ ውጽኢት ክትጽበ ስለዘይከኣል፡ ደርሆ እንተላይ ኣሕምልቲ ዝተፈላለየ ዓይነትን ዓቐንን መግቢ ከምዘድልያ ኣረዲኡ።

Categories