ማእከል ጥዕና ኦምሓጀር – ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሮብሮብያ – ንኡስ ዞባ ፎሮ እትርከብ መደበር ጥዕና፡ ኣብ ምክልኻልን ምፍዋስን ሕማማት ብዘርእያኦ ዘለዋ ንጥፈት፡ ብተገልገልትን ሰብ-ሞያን ተናኢደን።
ኣብ ጎልጅ፡ ሎሚ ዓመት ዝተኸስተ ሕማም ዓሶ ንምቁጽጻር፡ ብሰብ-ሞያ ጥዕና ንዝተገብረ ጻዕሪ ህዝቢ መጐሱ ገሊጹ።
ሓላፊ’ታ ማእከል – ነርስ ተኽላይ ግደ፡ እታ ማእከል ጥዕና፡ ብዘለውዋ 16 ሞያውያን – ኣገልግሎታት ክንክን ጥንስን ሕርስን፡ ክታበት፡ ወለንታዊ መርመራን ካልእ ስሩዕ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ከምእትህብ ሓቢሩ።
ተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ ዓሶ ድማ ብፍላይ ንምግታእ፡ ቀጻሊ ጐስጓሳት ከም እተካይድን ኣተባባዒ ውጽኢት ይምዝገብ ምህላዉን እውን ኣረዲኡ።
ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ምስ ዝነበረ ህጡር ክራማት፡ ተርእዮ ሕማም ዓሶ ከምዝወሰኸ ዝጠቐሰ ነርስ ተኽላይ፡ ኣብ ምክልኻል ዘተኰረ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሳላ ዝተዋህበ፡ ንምቁጽጻሩ ከም እተኻእለ ኣገንዚቡ። ህዝቢ ዓመት ምሉእ ናሙስያ ክጥቀም፡ መራብሒ ጣንጡ ከወግድን ከባቢኡ ብጽሬት ክሕዝን ድማ መኺሩ።
ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሮብሮብያ – ንኡስ ዞባ ፎሮ እትርከብ መደበር ጥዕና እውን፡ ብሕልፊ ኣብ ክንክን ህጻናትን ነፍሰ-ጾራትን ዝምስገን ኣገልግሎት ትህብ ከምዘላ ተገሊጹ።
እታ መደበር ጥዕና፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ክብ ንምባል ብእተካይዶ ጐስጓሳትን እትህቦ ኣስተምህሮታትን፡ ተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናንቈልቈሉ ይመጽኡ ከምዘለዉ ዝሓበሩ ወሃብቲ ርእይቶ፡ መጸበዪ ነፍሰ-ጾራት ኣቓልቦ ክወሃቦ ኣዘኻኺሮም።
መደበር ጥዕና ሮብሮብያ፡ ንምምሕዳራት ከባቢ ማሕፊድ፡ ሩባ ሓዳስ፡ ሮብሮብያን ገለ ክፋል ምምሕዳር ከባቢ ማልካን ኣገልግሎት ትህብ።