ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ተራ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምዕቃብ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ክዓቢ፡ ጨንፈር ምቁጽጻር ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣዘኻኺሩ።
ብ16 ታሕሳስ፡ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ገምጋም ዝቐረበ ጸብጻብ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ 92 ኢራብን 16 ዓጋዜንን ዝርከብዎም ሓያሎ እንስሳታት ዘገዳም፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሞይቶም ተረኺቦም።
ኩነታት ኣግራብ ኣብ ዝምልከት፡ ኣብ ሰሜናውን ደቡባውን ባሕሪ ዝርከብ ሕዛእቲ፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ዝርከብ ኣግራብ ግን፡ ቀጻሊ ብርሰት የጋጥሞ ብምህላዉ – ዕቱብ ምክትታል ከምዘድልዮ ተሓቢሩ።
ሓላፊ ጨንፈር ምቁጽጻር ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ካፕቴን ጸሃየ ተኽለ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ከተማታት ዝኣቱ ዕንጸይትን ፈሓምን ኣብ ምክትታል ብዙሕ ስራሓት እኳ ዝካየድ እንተኾነ፡ እቲ መሰረታዊ ፍታሕ – ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ተራ ህዝቢ ክዓዝዝ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።