ካብ ኩለን ዞባታት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 300 ኣባላት ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ኣብ ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ደቡብን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ንዝሰላሰል ዘሎ መደባት ልምዓት ንምዕዛብ ዑደት ኣካዪዶም።

እቲ ካብ 19 ክሳብ 22 ታሕሳስ ዝተወደበ ዑደት፡ ዲጋታት ጠቐራን ምስላምን፡ ዲጋታት ከርከበትን ጋሕቴላይን፡ ከምኡ’ውን ወደብ ባጽዕን ፋብሪካ ቸሜንቶ ገደምን ዘጠቓለለ ነይሩ።

ኣብ ዘዝበጽሕዎ ፕሮጀክት፡ ብዛዕባ ዝተመዝገበ ገስጋስን ናይ መጻኢ መደባትን፡ በብዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ተዋሂቡዎም።

እቲ ትዕዝብቲ ዝፈጠረሎም ባህታ ዝገለጹ ዑደተኛታት፡ ኣብ’ቲ ስራሕ ተዋፊሮም ዕዉት መደባት ንዝትግብሩ ዘለዉ መንእሰያት ንኢዶም።

Categories