ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ናይ 2019 ውጥን መደባት ልምዓት – ብሳላ ዕዙዝ ተሳትፎ ህዝቢ፡ መብዛሕትኡ ከም እተተግበረ፡ ብ20 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ስዩም ገብረእየሱስ፡ ኣስታት 25 ሽሕ ህዝቢን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ዝተሳተፍዎ – ን170 መዓልታት ዝቐጸለ፡ ጻህያይ፡ ጉንኦ፡ ዕቃበ ማይን ሓመድን፡ ጽሬትን ካልእን ዘጠቓልል ወፈራዊ ስራሓት ከምእተኻየደ ሓቢሩ።

ንቀረብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብዝምልከት፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዝተበጋገሱን ኣብ ዝቕጽል ዓመት ብዝሰፍሐ ዝቕጽሉን መደባት ከምዘለዉ ኣረዲኡ።

ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ዝጸንሑ ልዕሊ 8 ሽሕ ተመሃሮ ንኽመሃሩ ብዝተኻየደ ጐስጓሳት፡ ፍርቆም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ከምእተመልሱ ገሊጹ።

ኣብ እዋን ጥንስን ሕርሲን ዘጋጥም ሞት ኣዴታትን ህጻናትን ንምግታእ፡ ብደረጃ ኮሙኒቲ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት ንምህናጽ ተበጋጊሱ ዘሎ መደብ – ብኣጋ ንምዝዛሙ ተሳትፎ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ክዓዝዝ፡ ኣቶ ስዩም ኣዘኻኺሩ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ተሰነይ ኣቶ ተስፋዝጊ ዑቕባዝጊ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ 93 ፕሮጀክትታት ልምዓት ተታሒዞም ምንባሮም፡ ካብዚኦም – እቶም 77 ክዕመሙ እንከለዉ፡ 13 ብከፊል ከም እተተግበሩ፡ ሰለስተ ድማ ናብ ዝቕጽል ዓመት ከም እተሰጋገሩ ኣብሪሁ።

ኣስታት 20 ሽሕ ሄክታር ብክረምታዊ ዝናብ ንምልማዕ መደብ ከምዝነበረ፡ እቲ ዝለምዐ ግዳ ኣስታት 12 ሽሕ ሄክታር ጥራይ ምዃኑ፡ ተርእዮ ኣንበጣን ኣዕዋፍ ኴላኴላን – ብዕዙዝ ተሳትፎ ህዝቢ ከም እተመከተ፡ ዝናብ – ከም ኣጀማምራኡ ስለዘይቀጸለ፡ እቶት ከም’ቲ ተስፋ ዝተነብረሉ ከምዘይኮነ ተገሊጹ።

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ቀረብ ኣገልግሎት ኤለክትሪክሲቲን ዝስተ ማይን ተሰነይ፡ ዓድ-ዑመርን እንጅሓይን ፍታሕ ክናደየሉ፡ መሕረዲ ጥሪት ከተማ ተሰነይ ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዝ፡ ጽርግያታት ከተማ ተሰነይ ኣቓልቦ ክወሃቦ፡ ብድበት ዝመልአ መእለዪ ውሕጅ ተሰነይ-ዓሊግድር ክጽረግ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories