ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ሜላታት ኣጋፍፋ፡ ኣተዓቓቕባን ኣሰራርሓን ዓሳ ኣብ ጥዑም ማይ፡ ካብ ንኡሳን ዞባታት ሰረጀቓን ጋላ-ነፍሒን ንዝተዋጸኡ 44 ሓረስቶት ስልጠና ተዋሂቡ።
እቲ ብሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ተወዲቡ፡ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ብክልሰ-ሓሳብን ግብርን ዝተዋህበ ትምህርቲ፡ ኣብ ዲጋታት ማይ-ነፍሕን ዓዲ-ሸኻን እዩ ተኻዪዱ።
ብ21 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ኤሳው ትኩእ፡ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ዝርከባ 33 ዲጋታት ዓሳታት ንምርባሕ ወፍሪ ክገብር ከምዝጸንሐ ገሊጹ።
ህዝቢ ኣፍልጦኡ ብምዕባይ ንዲጋታት ብግቡእ ክጥቀመለን ምእንቲ፡ እዚ ከም መፈተኒ ኣብ ዲጋታት ማይ-ነፍሕን ዓዲ-ሸኻን ተጀሚሩ ዘሎ ንጥፈታት፡ ኣብ’ተን ዝተረፋ ዲጋታት እውን ክቕጽል መደብ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ማእከል ኣቶ ሃይለሚካኤል እዮብ፡ ሰልጠንቲ ዝቐሰምዎ ፍልጠት ብግብራዊ ስራሕ ብምምዕባል፡ ናብ ካልኦት ሓረስቶት ከሰጋግርዎ ተላብዩ።