ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ወራስ ዓራት ኣቡዳቢን ምክትል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን ተራኺቡ ዘትዩ።

ኣብ’ቲ ትማሊ 23 ታሕሳስ ኣብ ኣቡዳቢ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድን፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ታሪኻዊ ሕውነታዊ ዝምድናን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ኤርትራን ሕቡራት ኢማራትን ብሓፈሻ፡ ኣብ ጽላታት ሕርሻ፡ ጸዓትን ወፍሪን ድማ ብፍላይ ብሰፊሑ ተዘራሪቦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድን ብተወሳኺ፡ ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ሓሳብ ተለዋዊጦም።

Categories