ጸጋታት ቱሪዝም ምዕቃብን ዘቤታዊ ቱሪዝም ንምዕባይ ምልላይን ብዝሓይለ ካብ ዝስርሓሉ ዓበይቲ መደባት ክፍሊ ቱሪዝም ዞባ ደቡብ 2020 ምዃኑ ተሓቢሩ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቱሪዝም ዞባ ደቡብ ወይዘሮ ኣስመረት ኣብርሃ፡ ብ19ን 20ን ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ጸጋታት ቱሪዝምና ምልላይ፡ ነቶም ድሮ ዝተጸንዑ ዓውድታት ቱሪዝም ዳግማይ ምርኣዮምን ብስእሊ ምስናዶምን፡ መሐበሪ ምልክታታት ምትካል፡ ኣብ ኣፋፈት ዕንወት ናብ ዝርከቡ ታሪኻውያን ህንጻታት፡ ኣብያተ-ክርስትያንን መሳጊድን ኣድህቦ ምግባር. . . ካብቶም ዓበይቲ መደባት ምዃኖም ገሊጻ።

ኣብ ርእሲ’ቲ ልሙድ ናይ ቁጽጽር ስርሓትን ምሕዳስ ፍቓዳት ትካላትን፡ ብልጫን ድኽመትን ትካላት ኣገልግሎት ዝሓዘ ሓበሬታ በብንኡስ ዞባኡ ምድላውን ብዳታ ምትሓዙን፡ ንኣባላት ስል ጠናታት ምውዳብን ካልእን እውን ክስርሓሉ ምዃኑ ኣረዲኣ።

ምስ ኣሃዱ ስታቲስቲክስ ስርዓተ-ሓበሬታ ብዝተገብረ ምርድዳእ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ጸጋታት ቱሪዝም – ኣብ ካርታ ከምዝስራሕ ተገይሩ ከምዘሎ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ 907 ትካላት ፍቓድ ስራሐን ከምዘሐደሳ፡ 44 ሓድሽ ፍቓድ ከምእተዋህበን 11 ፍቓዳት ከምእተሰረዘን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብትኣብ ተስፋጽዮን፡ ቱሪዝም ኣብ ሃገራዊ መደብ ዘለዎ ኣገዳስነት ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ’ቲ ዓውዲ ዝርከቡ መንእሰያት ኣብ ስራሖም ዝሕግዞም ዝተፈላለየ መወከሲታት እናተጠቕሙ ፍልጠቶም ከዕብዩ ኣዘኻኺሩ። ምምሕዳር ዞባ ኣብ ስራሖም ከም ዝደጋገፎም ድማ ኣረጋጊጹሎም።

Categories