ጨናፍር ህግደፍ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምስ ስድራ ስዉኣት ዝገብራኦ ምድግጋፍ ብዝለዓለ ከምዝደፍኣሉ ገሊጸን።
ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ ናይ’ቲ ዞባ ብ19ን 20ን ታሕሳስ ኣብ ዝገበሮ ዓመታዊ ገምጋም፡ እቲ ናይ ምሕጋዝ መደብ፡ ኪንዮ’ቲ ገንዘባዊ ወይ ንዋታዊ ደገፍ ዝኸይድ ትርጒምን ምትእስሳርን ስለዘለዎ፡ ብደረጃ ንኡሳን ዞባታት ንምስፍሑ መደብ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ጸሓፊ ህግደፍ ናይ’ቲ ዞባ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን፡ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዋት ሓባራዊ ንቕሓትን ጠመተን ክህሉ፡ ኣብ መንእሰያትን ተመሃሮን ዘተኰረ ናይ ምምእዛን መደባት ክድፋኣሉ ኣዘኻኺሩ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ኣቦ-መንበር ህግደፍ ኣብ’ቲ ዞባን ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ ብወገኑ፡ ተኣትዩ ዘሎ ትስፉው መድረኽ ውጽኢት ሓያልን ንቑሕን መኸተን ናጻ መስመርን ከምዝኾነ ብምሕባር፡ እዚ ክብሪታት’ዚ ኣብ ልምዓት እውን ተኣምር ከምዝሰርሕ እምነቱ ገሊጹ።