ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ 2019 ክትግበሩ ዝሓንጸጾም መደባት፡ ብምትሕብባር ህዝብን ትካላት መንግስትን ልዕሊ 90 ሚእታዊት ከምእተተግበሩ፡ ብ18ን 19ን ታሕሳስ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ሓቢሩ።

በብኣሃዱኡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽኡ ዝኽእሉ – ምህናጽን ምጽጋንን ፕሮጀክትታት ማይ፡ ትካላት ትምህርቲን ጥዕናን፡ ከምኡ’ውን ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዘጠቓልሉ ልምዓታዊ መደባት፡ ካብ’ቶም ቀዳምነት ዝተዋህቦም ስራሓት ምንባሮም ተገሊጹ።

ኣብ ሕርሻዊ መዳይ እውን፡ እቶትን እቶታውነትን ክብ ንምባል፡ ኣብ ምህብታም ትሕተ-ባይታዊ ማይ፡ ምርጋእ ኣከባቢ፡ ምስራሕ ራህያታትን ዲጋታትን ዘተኰረ ንጥፈታት ከምእተሰላሰለ፡ ኣስታት 500 ኩንታል ምሩጽ ኣዝርእቲ ኣእካልን ጥረታትን ንሓረስቶት ከምእተዓደለ፡ ብክራማት ከበሳን ባሕርን ዝተዘርአ 22 ሽሕ ሄክታር ድማ ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘሎ በሪሁ።

ብዝተተግበረ መደባት፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ኣብ ቀረብ መሳለጥያን መድሃኒትን መሰረታዊ ለውጢ ከምዝመጸ፡ ጸጋታት ባሕርና ብግቡእ ኣብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ንምውዓሉ ውሁድ ጻዕሪ ከምእተኻየደ፡ ምንጪታት ማይ ንምውሓስ፡ ኣብ ዓድሹማ፡ ማይ-ሓባር፡ ደንጎሎ ላዕላይ፡ ጸረትን ሖጺትን ካብ 30 ሽሕ ክሳብ 140 ሽሕ ሜተር ኲብ ማይ ናይ ምውህላል ዓቕሚ ዘለወን ዲጋታት ይህነጻ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ሳላ ምውህሃድ ህዝብን ኣካላት መንግስትን ኣተባባዒ ውጽኢት ከምእተመዝገበ፡ ኣብ 2020 እውን ህዝቢ ዘሳትፍ ሰፊሕ መደባት ምስራሕን ምጽጋንን ጽርግያታት፡ ማይ-ክዖታት ናይ ምፍዋስ ንጥፈታት፡ ምጥርናፍ ዓድታት፡ ምህናጽ ሓጽብታት ዘጠቓልል መደባት ቀዳምነት ክወሃቦ ምዃኑ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተን ክትዕን፡ ኣብ ግቡእ ግዜኦም ኣብ ዘይተተግበሩ ንጥፈታት ብምትኳር ሓሳባት ኣፍሲሶም።

Categories